Vai al titolo

Tigrino: ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርትን ስራሕን

ኣብ ስዊዝ ትነብራ ወይ ትነብሩ ወጻእተኛ‘ዲኹም? ኣብዚ ነተን መገድታት ትምህርትኹምን ቀጻሊ ትምህርትን ዝምልከታ ዝተፈላለያ ሓበሬታት ክትረኽቡ ኢኹም።

ጽሑፍ ሓበሬታን መራኸቢን

ንሙያዊ ትምህርቲ ወይ ድማ ንቀለማዊ ትምህርቲ ዝምልከታ ሕቶታት ዝሕብራ ብዙሓት ጽሑፋት ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽቡ ኢኹም። ንዓኹም ዝምልከታ ጽሑፋት ሓበሬታ ናብ እቶም ኣብ መንበሪ ካንቶንኩም ዝርከቡ፣ ብዛዕባ ሙያ፣ ትምህርቲ ዩኒቨርስቲን ምዕባለን ዘማኽሩ ምምያጥ ምኽሪ ክትገብሩ ተማሊእኩሞ ኪዱ።

ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ገጽ ዝርከብ ጽሑፍ ሓበሬታ ቁጽሪ ኣለዎ። እዚ ቁጽሪ ንኹለን ኣብ መራኸቢ ተዘርዚረን ዘለዋ ቋንቋታት ማዕረ እዩ። ንምሳለ ነቲ መራኸቢ ብቋንቋ ጥልያን እንተጠዊቕኩም፣ሊስታ ናይ እተን ተመሳሰልቲ ዝኮና ቁጽሪ ዘለወን ጽሑፋት ሓበሬታ ትረኽቡ፣ እዘን ጽሑፋት ግን ብቋንቋ ጥልያን እየን።

ግቡእ እዋን ትምህርቲ

ኣብ ስዊዘርላንድ ብዛዕባ ግቡእ ትምህርቲ ዝውስና እተን ካንቶናት እየን። በዚ ምኽንያት ድማ ዝተፈላለያ ስርዓታት ኣለዋ። ናይ ስዊዘርላንድ ካንቶናት ትምህርታዊ ኣተዓባብያ ዲረክቶራት ኮንፈረንስ (EDK) ቅርጺ ዝሕብር ሓፈሻዊ መግለጺ ብቋንቋታት ጀርመንኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ብቋንቋ ጥልያን፣ ሮማንኛን እንግሊዝኛን ኣብዚ ትረኽቡ: www.edk.ch.

Kantonale Schulstrukturen in der Schweiz und im Fürstentum Liechtenstein [PDF, 7.14 MB]

ኣብቲ ናይ ነፍሲ ወከፈን መርበብ ሓበሬታ ካንቶናዊ መምርሒ ትምህርትን ኣተዓባብያን ዝርዝር ናይ ካንቶን ስርዓት ቤት ትምህርቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ።://www.edk.ch/dyn/11589.php~.

ንኹሉ ግቡእ ቤት ትምህርቲ

ስርዓት ትምህርቲ ኣብ ስዊዘርላንድ

መሰረታዊ ትምህርቲ ሙያ (ትምህርቲ ልምዲ ሙያ)

ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ክፉት ቦታ ትምህርቲ ልምዲ (ናይ ትምህርቲ ልምዲ መረጋገጺ) orientamento.ch/tirocinio

ቤት ትምህርታዊ ትምህርቲ

ተወሰኽቲ ኣርእስታት ትምህርቲ

ጥራዝ ሓበሬታ

ጥልቕ ዝበለ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ዕድላት መገድታት ትምህርቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ብቋንቋኹም ከተጽንዕወን እንተደለኹም፣ ኣብታ ብስእልታት ወጻእተኛታትን ደቂ ዓድን ዝተደገፈት ሰሓቢት ዝኾነት ኣስተዋጽኦ ዘለዋ ጥራዝ „ድሕሪ ቤት ትምህርቲ እንታይ ኣሎ?“ ክትረኽቡ ትኽእሉ።: "ድሕሪ ቤት ትምህርቲ እንታይ ይግበር?"

ሓበሬታ ብቋንቋ ጥልያን

orientamento.ch ብዙሓት ተወሰኽቲ ሓበሬታት ከምኡ ድማ ዳታ-ባንክ ብዛዕባ ሙያ፣ ትምህርትን ቀጻሊ ትምህርትን ብጀርመንኛ፣ ፈረንሳይኛን ቋንቋ ጥልያንን ቀሪቡ ኣሎ። ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ዝኾና መራኸቢታት ብቋንቋ ጥልያን:



orientamento.ch